BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ኣስመራ፡ ስእልታት ካርኒቫልን ምርኢታትን ቅንያት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት
ብዘይካ'ዚ፡ ንጉዕዞ ስፖርት ኤርትራ ዘርኢ ምርኢት (ኤግዚብሽን) እውን ኣብታ ከተማ ትማሊ ተኸፊቱ ኣሎ። ንሎሚ ገለ ስእልታት ብሰሉስ ዝተኻየደ ምርኢታትን ትርኢታትን ኣቕሪብናልኩም ኣሎና፣
ትግራይ፡ 'ዕላማና ነቲ ብዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጕጅለ ምእላይ እዩ' ዝብል ዘሎ 'ቤት ምኽሪ'
ንዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ውድባት ትግራይ ዝሓቘፈ "ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን" ብሰንበት 17 ግንቦት (9 ግንቦት 2018ግ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተመስረተ ዝተነግረ ኰይኑ፡ ሓደ ካብ ዕላማታቱ "ነቲ ብዕልዋ መንግስቲ ትግራይ ዝተቘጻጸረ ሓይሊ ምእላይ፡" ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።
'ኤርትራ ዓንዲ ማእከል ጸጥታን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ እያ'- ግብጻዊ ሚኒስተር
ዓቢ ጕጅለ ልኡኽ መሪሑ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ከካይድ ዝቐነየ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዶ/ር በድር ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ስፍሕ ዝበለ ቃለመሕትት ኣካይዱ። በድር ዓብደልዓጢ ከም ዝበሎ፡ ዝምድና ግብጽን ኤርትራን "ዓቢ ዓይነታዊ ገስጋስ" ኣመዝጊቡ ኣሎ።
ዘይሕጋዊት ጃልባ መሪሑ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተወ ኤርትራዊ ተኸሲሱ
እዚ እድሪስ ዓብዱ ዝተበሃለ ኤርትራዊ ኣብዚ እዋን ኣብ ከተማ ብራድፎርድ ዝነብር ኰይኑ፡ ኣብ ግንቦት 2025'ዩ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዩ።እቲ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ከኣ "ንሕጊ ኢሚግረሽን ዓዲ እንግሊዝ ጥሒሱ" ዝብል ክሲ'ዩ።
ቀጥታ, ሕማም ኢቦላ ብናህሪ ይላባዕ ከይህሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ
ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ዳግም ተቐልቂሉ ዘሎ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ዓለማዊ ስግኣት ፈጢሩ። እቲ ዛጊት ኣስታት 100 ሰባት ቂሉ ዘሎ ሕማም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክላባዕ ጀሚሩ ኣሎ። ብኻልእ ወገን፡ ለብዒ ሃንታቫይረስ ንምግታእእ ሰብመዚ ኣውሮጳን ውድብ ጥዕና ዓለምን ጻዕርታት የካይዱ ኣለዉ።
ናብ ቦርንማውዝ ዘቋምታ ዘለዋ ኣዕይንቲ ደገፍቲ ኣርሰናል
ሕጂ ኵሉ ኣቓልቦ ኣርሰናልን ደገፍታን ናብታ ማንቸስተር ሲቲ ምስ ቦርንማውዝ ሎሚ ሰሉስ እተካይዳ ጸወታ እዩ ዘሎ። ኣርቴታ ንሰሉስ "ቀንዲ ደጋፊ ቦርንማውዝ፡" ክኸውን ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።
ደውታ ውግእ ወሽመጥ፡ ድሌት መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ንውሳነ ትራምፕ ቀዪሩዎ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ "ቍውምነገር ዘለዎ ዘተ ይካየድ ስለ ዘሎ" ብምባል፡ ንድልየት ሃገራት ወሽመጥ መሰረት ገይሩ ንሰሉስ ተወጢኑ ንዝነበረ ወታደራዊ መጥቃዕቲ ከም ዘደናጐዮ ገሊጹ።
ኤርትራ፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ማህረምቱ እንታይ ኢሉ?
ጀነራል ስብሓት፡ ኣብቲ ብሰንበት 17 ግንቦት ዝተፈነወ መበል 74 ክፋል ሰነዳዊ ፊልም "ፈንቅል" እዩ መብርሂ ክህብ ተራእዩ። ኣብቲ ነዊሕ ዝኸደ ክፋላት እቲ ሰነድ፡ ብዛዕባ'ቲ ከም ኣካል ስርሒት ፈንቅል ዝውሰድ ኣብ 1990 ዝተኻየደ "ወፍሪ ደንካልያ" ዝምልከት ድማ ኣዘንትዩ።
'ቈልዓ ክወልድ ኣይክእልን'የ ኢለ ሓሲበ ነይረ'፡ ደቂ ተባዕትዮ ሕቡእ 'ስፐርም' ንኽረኽቡ ዝሕግዞም ዘሎ ኤኣይ
ስታር (Sperm Track and Recovery system) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቴክኒክ ኰይኑ፡ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያ ኣብ ኣዞስፐርሚያ ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንምርካብ ዝተማህዘ እዩ።
ኤርትራን ግብጺን ዝተፈላለየ ስምምዓት ፈሪመን
እቲ ስምምዕ ብምኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን ኤርትራ ብርሃነ ተስፋስላሰን ምኒስተር ትራንስፖርት ግብጺ ሌተናል ጀነራል ካሚል ኣልወዚርን ዝተኸተመ እዩ። እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ ናብ ኣስመራ ዝተጓዕዘ፡ ኣካየድቲ ስራሕ ኣብ ጽላታት መጓዓዝያ፡ ጸዓትን ዕደናን ዝሰርሓ ኩባንያታት ውን ዋና ኣካየድቲ ስራሕ ዘጠቓለለ ላዕለዋይ ልኡኽ ግብጺ ዘካየዶ ዑደት እዩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ደ/ሪ/ኮንጎ ብሰንኪ ኢቦላ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኢቦላ ከምዝኣተወ ብምሕባር ኣብታ ሃገር ዓለምለኻዊ ኣተኵሮ ዝጠልብ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ።
ብቴክኒካዊ መዳይ ኣብ ኲናት ዝርከባ ጐረባብቲ፡ ኣየኖት ሃገራት ዓረብ'የን ንእስራኤል ኣፍልጦ ዝህባ?
ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዘይብለንን ብቴክኒካዊ መዳይ ካብ 1948 ጀሚረን ኣብ ኩነታት ኲናት ጸኒሐን እየን። እስራኤል ምስ ካልኦት ሃገራት ዓረብ ዘለዋ ርክብ ግን ከመይ ይነጻጸር?
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።
ከይሓልፈኩም
ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ጂኦፖለቲካዊ መናሕንሕቲ ዝርኣኣዩ ሓይልታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ለውጢ ኣሰላልፋታት ኣስዒቦም ኣለዉ። ሃገራት እዚ ዞባ፡ ነቲ ግጭትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ለውጢታትን ንምግጣም ብኸመይ ከም ዝሕዝኦ ከሰላስላ ደሪኹወን ይርከብ።
ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክባላሕ ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናትን ምትኹታኽን እናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ እዋናዊ ኵነታት ዝደረኸ ምዕባለታት እንታይ እዩ? ናበይ ከ ክመርሕ ይኽእል ንዝብል ዛዕባታት ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ምሁራትን ተንተንትን ኣዘራሪቡ'ሎ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ።እዚ ንኤርትራ ዘመላኽት ከምዝዀነ ብዙሓት ይግምቱ፣ ትሕዝቶአን ክነጻጸር እንከሎ ኸኣ...፤
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?
ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ መዓስን ብኸመይን'ዩ ተፈጺሙ? ኣዲስ ኣበባ መዓስን ብኸመይን እያ ንሃገርነት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ? ክትስርዞ ወይ ክትስሕቦኸ ትኽእል ድያ? ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ውዕላትን፡ ከምኡ'ውን ክኢላታት ዓለማዊ ዝምድናታትከ እንታይ ይብሉ?
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካበይ ናበይ፡ ሃለዋቱኸ ኣብ ምንታይ ይርከብ?
ሃለዋት ህግደፍ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይመስል? ነቲ 'ደሞክራስን ፍትሕን' ዘጠቓልል ስሙ በቒዕዎዶ? መፈጠርን ዛንታን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝዓበየ ምስጢራዊ 'ሰልፊ' እንታይ'ዩ? ነዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ናይቲ ውድብ ንምምላስ ንሓፈሻዊ ጕዕዞኡ ዳህሲስናዮ ኣለና።
ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ ጸጋታታ ስለምንታይ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዘይገሹዋ?
ኤርትራ፡ ካብ ድቃሳ ምስተበራበረት ንጸጋታት ክትሰርሓሉ እንተጀሚራ መስሕብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትከውን ዓቢይ ተኽእሎን ዕቝር ጸጋታትን ከምዘለዋን ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ ሕጂ ግን ብድኽመት ምሕደራ ዝተዳህከት፡ ኣዝያ ዕጽውቲ ሃገር እያ።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይቅዋምን ምርጫን ንልዕሊ 34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ
ኣብ 1993፡ ኤርትራውያን መሰል ርእሰ-ውሳነኦም ብረፈረንዱም ምስ ኣረጋጋጹ፡ ኢሳይያስ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ተራእየ። ኣብ ዋዕለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ወለዶ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ "ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክዅየጡ ዝደልዩ፡" ክብል ዘሊፉዎም።
ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?
እቲ ዝበዝሕ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር፡ ካልኣይ ደረጃ ይዅን ዩኒቨርሲቲ ዝወድአ ከይተረፈ፡ ኣብ ሰራዊት ከቲቱ ብዘይኣድማዕነት ዝጸንሐ'ዩ። በዚ ድማ እቲ እንኮ መዋጽኦ መንእሰያት ኤርትራ፡ ስደት ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ብሰንኪ ብሕታዊ ወፍሪ ዘየተባብዕ ፖሊሲ መንግስቲ ድማ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክኣትዉስ ይትረፍ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ንግዳዊ ትካላት ብምምስራት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ጸጋ ዜጋታት'ውን ግዳይ ናይቲ ኵነታት ኰይኖም ምስ ገንዘቦም ናብ ስደት ውሒዞም'ዮም።
ኤርትራ፡ ጽምዶ ጽቡቕ እዩ - ግን መን ምስ መን፡ ንምንታይ ዕላማኸ?
እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ክግበር ዝዕደም ዘሎ ጽምዶ ግን ብምንታይ ዝተደረኸ እዩ? እቶም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ 2020 – 2022 ሓድሕድ ዝተዳመዩ፡ ሕዱር ቅርሕንቲ ዝነበሮም ሓይልታት ስለምንታይ ኣብዚ ግዜ'ዚ ክላፈኑን ክጻመዱን ደልዮም?
ትግራይ፡ ክሳብ መዓስ እያ ዓውደ-ኲናት ኰይና ክትነብር?
ብሰንኪ'ቶም ካብ ቅድሚ 100 ዓመታት ኣትሒዞም ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ውግኣት ኣእላፍ ሰባት ሃሊቘም፡ ንብረትን ጥሪትን በሪሱ፡ ኣግራብን ዘራእትን ጣሕሲሱ፡ እንስሳ ዘ-ገዳም እውን ፈሊሰን። እንተዀነ፡ ሎሚ እውን ካልእ ህልቂት ከስዕብ ዝኽእል ደበና ኲናት የንጸላሉ ኣሎ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ
ጠፈርተኛታት ኣርተሚስ ምስ መሬት ዘለዎም ርክብ ኣብ ዝቋረጸን 40 ደቓይቕ እንታይ'ዮም ክገብሩ?
እዞም ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት፡ ኣብ ዙርያ ወርሒ ብምኹላል ድሮ ንዓለምና ፍሉይ ተምሳጥ ዝፈጠሩ ኣሳእል ኣካፊሎምዋ እዮም። ቅድሚ ልዕሊ 50 ዓመታት፡ ጠፈርተኛታት ኣፖሎ፡ ናብ ወርሒ ኣብ ዝገበርዎ ተልእኾ ብዝተፈጥረ ምቁራጽ ርክባት ስዒቡ ብሕታውነት ገጢሙዎም ነይሩ።
ቪድዮ, ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ እቲ ዝኸበረ ኲናት ኣመሪካ ድዩ?
ኣመሪካ ኣብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ብዙሕ ወፍሪ እያ ትገብር፣ እዚ ኣብ ዓመት ሓደ ትሪልዮን ዶላር ይበጽሕ። ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ወተሃደራዊ ባጀት ምምሕዳር ትራምፕ ብዓቢኡ ምስ ዝሓለፉ ምምሕዳራት ዝሰማማዕ እዩ።
ቪድዮ, ኢራን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ራዕዲ ንምፍጣር ብኸመይ'ያ ሕሱራት ድሮናት ትቀጥም ዘላ?
ዶናልድ ትራምፕ፡ ብ28 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ክፍጸም ምስ ጀመረ፡ ሚሳይልን ኢንዳስትሪ ሚሳይልን ኢራን፡ "ምሉእ ብምሉእ" ክጠፍእ'ዩ፡" ኢሉ። ድሮናት ዝምልከት ግን ኣይተዛረበን። እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ትሑት ዋጋ ዘለወን ድሮናት ተጠቒማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ጸኒሓ።
ትንታነ
ኣብ ሳሕል ሓያል ቍጥዐ ዝገጠማ ፈረንሳ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓደስቲ መሓዙት ተናዲ፡ ንምንታይ?
ፈረንሳ፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝነበራ ብድሕረ-መግዛእታዊ ኢድ ኣእታውነት ጽልዋኣ እናተዳኸመ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ያ፡ ትኹረታ ናብተን ግዝኣት ብሪጣንያ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ገይራ ዘላ።
ትግራይ፡ መንግስቲ ፈደራል እንታይ ስጕምቲ ክወስድ'ዩ - ስለምንታይ ከ ስቕታ መሪጹ?
'መንግስቲ፡ ንስጕምቲ ህወሓት ዝዅንን መግለጺ ክሳብ ሕጂ'ኳ እንተዘየውጽአ ካብ መግለጺ ሓሊፉ ኸ እንታይ ስጕምቲ ክወስድ ይኽእል?' ዝብል ሕቶ ዝምልስ ዳህሳስ ክርአ ኣገዳሲ እዩ።
ርክብ ትራምፕን ሺን፡ ብኸመይ ንመጻኢ ዝምድና ልዕለ ሓያላን ሃገራት መሰረት የንጽፍ?
ንኣዋርሕ ዝምድና ኣመሪካን ቻይናን ንትራምፕ ዝተሓተ ቀዳምነት ዝሃቦ ስራሕ ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ። ትዅረቱ ኣብቲ ምስ ኢራን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ ወተሃደራዊ ስርሒታት ምዕራባዊ ንፍቀ ክቢን ዘቤታዊ ስክፍታታትን እዩ ነይሩ።
ካብ ጆን ፎስተር ዳላስ ክሳዕ ማሳድ ቡሎስ፡ ዝተሓላለኸ ምዕራፋት ዝምድና ኣስመራን ዋሽንግተንን
ካብ ታሪኻዊ መደረ ፎስተር ዳላስን እገዳ ዓሰርተታት ዓመታትን ዝነቅል ዝሑል ዝምድና ኣስመራን ዋሽንግተንን፡ ሕጂ ብሳላ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ይስጕም ኣሎ። እዚ ብምምሕዳር ትራምፕ ዝተጀመረ ናይ ለውጢ ንፋስ፡ ንዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ዕጽዋ ሰይሩ ሓድሽ ተስፋ የቃልሕ ኣሎ። እቲ ሕቶ ግን፡ እዚ ሓድሽ ጽምዶ ንመጻኢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኸመይ ክጸልዎ እዩ?
ኣብ ዛዕባ ምሕዳስ ዝምድና ኤርትራ-ኣመሪካ እንታይ ይበሃል ኣሎ?
ገለ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ ነበር፡ ንመዝገብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ኵነታት መንግስቲ ኤርትራን ብምልዓል፡ ነቲ ውሳነ ተቓውሞኦም የስምዑ ኣለዉ። ገሊኦም ድማ እቲ ውሳነ ቅኑዕ ምዃኑ፡ እቲ ኻልእ ብዛዕባ ኤርትራ ዝለዓል ዘሎ ጉዳያት ካልኣዊ ወይ ከም ውሽጣዊ ጉዳይ ሸለል ዝብሉ ኣለዉ።
ካብ ካርቱም ክሳብ መቐለ፡ ሓደ ሃገር ብዙሓት ሓይልታት
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ምብዛሕ ዕጡቓትን ምፍራስ ትካላትን፡ ንሰላምን ህላወን ሃገራት ዓቢ ስግኣት ኰይኑ ኣሎ። እዚ ካብ ሱዳን ክሳብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ደቡብ ሱዳን ክሳብ ሶማልያ ዝዝርጋሕ ግጭታት፡ ንዘተ ብብረት ብምትካእ ንሃገራት ናብ ዘይውዳእ ዕንወት እናመርሐን ይርከብ።
ኒዩክሌር ዘለወን ሃገራት በዓል መን'የን፤ ብኸመይ ከ ወኒነንኦ?
ሓላፊ ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ጸዓት ራፋኤል ግሮሲ ብረቡዕ ኣብ ሴኡል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዮንግብዮን ኣብ ዝርከብ ህንጻር ኒዩክሌር፡ ሰሜን ኮርያ "ቅልጡፍ ወሰኽ" ምንቅስቓስ ኒዩክሌር ከም ዝተራእየ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ዓቕሚ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር "ኣዝዩ ከቢድ ወሰኽ" ክብል ዝገለጾ ኣመልኪቱ።
ካብ ሆርሙዝ ናብ ማላካ፡ እቲ ሓድሽ ጂኦ-ፖለቲካዊ ወጥሪ
ኣብቲ ንዓለምና ወሳኒ መስመር ማይ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝካየድ ዘሎ ዕጽዋ ከይኣክል፡ "መትኒ" ንግዲ ዓለም ዝዀነ ካልእ መስመር መጓዕዝያ ባሕሪ ቈላሕታ ክረክብ ጀሚሩ ኣሎ። ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ኢንዶነዥያ ወተሃደራዊ በረራታት ንምክያድ ዘቕረበቶ ሕቶ፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እስያ ዝርከብ መጻብቦ ማላካ ዓለምለኻዊ ቈላሕታ ክረክብ ገይሩዎ ይርከብ።
'ዓለም በቶም ቢልዮናት ኣብ ኲናት ዘጥፍኡ ውሑዳት መለኽቲ'ያ ትበርስ ዘላ' - ኣቡነ ሊዮ
እቲ ኣብ ዝሓለፉ 48 ሰዓታት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ዝሰነዘሮ መጥቃዕትን ንርእሱ ከም ክርስቶስ ኣምሲሉ ብኺነታዊ-ብልሒ (AI) ዝተሰርሐ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምዝርጋሑን ዝፈጠሮ ተቓውሞ ፍሉይ እዩ።
ኣብ መንጎ ስግኣት ኲናትን ተስፋ ዲፕሎማስን ዝተቐርቀሩ ኢራናውያን
ድሕሪ እቲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝተቐተልሉ ተቓውሞን ገና ዘይተዛዘመ ዘሎ ግዳማዊ ኲናትን፡ ሓያሎ ኢራናውያን፡ "እዚ ስምምዕ'ዚ መወዳእታ እቲ ሕማቕ እገዳን ናይ ለውጢ መጀመርታንዶ ይኸውን?" እናበሉ ብሃረርታን ስግኣትን ይሓቱ ኣለዉ።
'ሓደገኛ ጠላዕ' ትራምፕ
ገለ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብፕረዚደንት ትራምፕ ከቕርቦም ዝጸንሐ ኣማራጺታት - ምሓዝ ደሴት ኻርግ ወይ ወተሃደራዊ ስርሒት ብምግባር ብመጻብቦ ሆርሙዝ ንዝሓልፋ መራኽብ ምዕጃብ - ሓደገኛን ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት ክኸውን ከም ዝኽእል ከዛርብ ጸኒሑ እዩ። ሰራዊት ኣመሪካ ካብን ናብን ወሽመጥ ፋርስ ዝኣትዋን ዝወጻን መራኽብ ክዓግት ከም ዝኽእል ዓቕሚ ከም ዘለዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ሕቶ ዝኸን ግን፡ "ንምንታይ ዕላማ?" ዝብል እዩ።
ድሕሪ ምቍራጽ ዘተ ኢራን-ኣመሪካ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ፡ 'ዝስዕብ እንታይ እዩ?'
ኣብ ስምምዕ ምእንቲ ክበጽሑ፡ ነቲ ዝጸንሖም ዓሚቝ ናይ ዘይምትእምማን ጋግ ምስጋር የድልዮም ነይሩ። ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ርክቦም፡ ክልተኦም ወገናት ክራኸቡ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ሓደ ክፍሊ ተኣኪቦም ክዛተዩ ይኽእሉ እንተዀይኖም ርግጸኛ ንምዃን ይከኣል ኣይነበረን።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝተቖረሰት ትግራይ ኣብ ሃገራዊ መረጻ ክትሳተፍ ኣይትኽእልን- ዶ/ር ደብረጽዮን
ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ልዕሊ 45% ከባቢታት እታ ክልል "ኣብቲ ትሕቲ ወራር" ከምዘሎ ብምግላጽ "ዝተቖርሰት ትግራይ እያ" ዘላ ክብል ተዛሪቡ።
ፖለቲካዊ ቅልውላው ትግራይ፡ ክልተ ፕረዚደንት ክልተ ካቢኔ?
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ "ብሓይሊ" ዝተኻየደ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ "ኣኼባ ካቢኔ" ኮኒኑ። ኣብ መንጐ ክልቲኦም መራሕቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ንክልል ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣእትዩዋ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ኣብ ሓወልቲ ድንግል ማርያም ዝተፈጸመ 'ጽዩፍ' ተግባር ወተሃደር እስራኤል
እቲ ተግባር ኣብ ሓንቲ ደብል ዝተባህለት ክርስትያን ብብዝሒ ዝነብሩላ ቍሸት ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካልእ ወተሃደር እውን ንሓወልቲ የሱስ ክርስቶስ ብገጹ ብምድፋእ ብሞዶሻ ክሃርሞ እንከሎ ተራእዩ ነይሩ።
ትራምፕ፡'14 ነጥብታት' ኣብ ዘለወሉ ኲናት ኢራን 'ብቕልጡፍ ከም ዘብቅዕ ኣተንቢሁ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት "ብቕልጡፍ ክውዳእ" ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ።
ህወሓት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ክሲታት ምላሽ ሂቡ
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መብርሂ፡ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምርሑ ሓይልታት ሱዳን ንዕጡቓት ህወሓት ናይ "ኣጽዋርን ገንዘብን ደገፍ" ከምዝሃበ ብምኽሳስ፡ ምዕራባዊ ዶባት ኢትዮጵያ ከምዝተጣሕሰን ትዕግስቲ ክገብሩ ከምዝመረጹን የመልክት።
ዝምድና ዋሽንግተን-ኣስመራ፡ ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ እንታይ ይብል?
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ዛዕባ ተበግሶታት ምልዓል እገዳን ምምሕያሽ ዝምድናን ኤርትራን ኣመሪካን ኣመልኪቱ ዝወሃብ ዘሎ ርእይቶታት ምላሽ ሂቡሉ።
መቐለ፡ ጀነራል ታደሰ ንውሳነ ህወሓት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ምላሽ
ማእከላይ ኰሚቴ ህወሓት፡ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተመስረተን ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎን፡ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ፈሪሱ በቲ ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝተገብረ በይናዊ መረጻ ዝቖመ ክለላዊ መንግስቲ ክትካእ እዩ ወሲኑ።
ኣብ ግጭት ኣመሪካን ኢራንን እንታይ'ዩ ክስዕብ? ኣርባዕተ ክህልዉ ዝኽእሉ ተኽእሎታት
ኣመሪካን ኢራንንን ኣብ ፈለማ ናብ ስምምዕ ኣይበጽሓን። ከም ዲፕሎማስያዊ ክሳራ ዝርአ ግን ኣይኰነን። እዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ተወሳኺ ዝርርብ ናይ ምክያድ ተስፋ ብኸመይ ይርአ፣ ናብ ምጡን ግጭት ድየን ወይስ ናብ ዝሰፍሐን ዘይተርፍን ኲናት እየን ከምርሓ?
ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን ትራምፕን ዘየሳነያ ሰለስተ ጕዳያት
ኣዋርሕ ዘቝጸረ ኣብ መንጐ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለምን ፕረዚደንት ኣመሪካን ዝተጀመረ ዳርባ ቃላት ይቕጽል ኣሎ።
ንኢራን ጸለውቲ ቪድዮታት ኤኣይ ዝሰርሓላ ዘሎ ክኢላ እንታይ ይብል?
"ስሎፓጋንዳ" - Slopaganda - ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሓደ ኣካዳሚያዊ ጽሑፍ ኣብ 'AI slop' ዝተቐየሰ - እዚ "ኣዝዩ ዝተራቐቐ" ትሕዝቶ ክሳብ ክንደይ ሓያል ምዃኑ ንምግላጽ ኣዝዩ ድኹም ኣበሃህላ ምዃኑ ክኢላ ፕሮፖጋንዳ ዶክተር ኤማ ብራያንት ትዛረብ።
እቶም 7 ኤርትራውያን ኣብ ኢስዋቲኒ ዕቝባ ከም ዝሓተቱ ተፈሊጡ
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ፡ ካብ ሃገራዊት ጋንታኦም ኣብ ኢስዋቲኒ ተሪፎም ዝሃደሙ 7 ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር ከም ዘለዉን ዕቝባ ከም ዝሓተቱን ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ንሰበስልጣን እታ ሃገር ጠቒሱ ሓቢሩ።



















![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](/makepkg/implementing-https-ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)





























































